Vuxenutbildningar i Örebro län

Region Örebro län Region Örebro län
Sök

ትግርኛ (Tigrinska)

እቲ ልክዕ ዘድልየካ ክትረክብ ቀሊል እዩ – ኩሉ ትምህርትታት ኣብ ሓደ ቦታ

ናይ ብጹሓት ትምህርቲ ንኽትረክብ ንሕግዘካ ኢና። ናብ ስራሕ ከምርሓካ ዝኽእል ትምህርትታት። ነቲ ናይ
መጻኢ ግዜ ሞያኻ ክኸዉን ዝኽእል ትምህርቲ ብቐሊሉ ከም ክትረኽቦን ከም ተመልክቶን ክንገብር ኢና።

እቲ ትምህርቲ ብቛንቋ ሽወደን እዩ

እቲ ትምህርቲ ኩሉ ብቛንቋ ሽወደን እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከተመልክት እንድሕሪ ደሊኻ ብቛንቋ ሽወደን
ምዝራብ፣ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

ዓዉዲ (field)iትምህርትታት
ኣባና እዚ ዝስዕብ ዓዉዲ ትምህርታት ትረክብ:
ህንጻን ትሕቲ ቅርጽን
ኤሌትሪክን ጽዓትን

ናይ ኤስተቲስካ ማለት ናይ ፍልስፍና፣ ጥበብ፣ ስነ-ጽሑፍ ትምህርትታ
መጓዓዝያ መካይን፣ መኽዘንን ትራንስፖርትን
መሸጣን ዕዳጋን
መሬት፣ ዱርን ተፈጥሮን
ቤት ብልዕን ምግብን
ዉሕስነት ጸጥታን-ሓለዋ ምክልኻልን
ተክኖሎጂን (ስነ-ኪነት) ኢንዱስትሪን
ምምህርናን ስነ-ምምሃር (pedagogy)
ክንክን ጥዕና

ብምግምጋም ምርግጋጽ (ቫሊደሪንግ)

ንዘሎካ ፍልጠትን ክእለተን ዘርጋግጽ መዝገብ የብልካን? ነቲ ትኽእሎን ወይ ዝሰራሕካሉን ብምግምጋምን
ብምርግጋጽን ምስክር ወረቐት ክዉሃበካ ይካኣል። ንደገፍን ንምኽርን ናይ ምግምጋምን ምርግጋጽን ሓገዝን
ኣብቲ ናይ ምምሕዳርካ ዘሎ ናይ ትምህርትን ናይ ሞያን መገዲ ሓባሪ (studie- och yrkesvägledare)
ድሃይ ግበረሎም።

ኣብዚ ትሕቲ ናይ ምምሕዳርካ መላገቢ (link)iትረክብ:
/

/መላገቢታት/
ኣስከሹንድ ደጌፎሽ ሃልስበሪ ሄለፎሽ ካርልስኩጋ ኩምላ ላክሶ ለከበሪ ሊንድስበሪ
ዩስናሽበሪ ኑራ አረብሩ

Hade du nytta av innehållet på denna sida?

Senast uppdaterad: den 19 januari 2021